Friday, December 28, 2012

ተወሳኺ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሠመረአብ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ብሰይፈ ውግዘት ኣቦታት ደብረ ቢዘን ዝተመትረ ሠመረአብ ቀሺ ወልደገብርኤል፤ ነቲ መንም ክድፍሮ ዘይከኣል መንፈሳዊን ሰማያዊን ሥልጣን ገዳማውያን ኣቦታት ኣቃሊሉን ረጊጹን ትምህርቱን ስብከቱን ኣብቶም ዓውድታቶም ዝፈቐደሉ ውሑዳት ኣብያተ ክርስቲያናት ተሓጺሩ ክቕጽል ከምዝጸንሐ ክጥቐስ ጸኒሑ እዩ። እዚ ኸኣ ኣሳሰዪኡ ካብ ዝኾነ “ኣመሓዳሪ”ን ውሽጣዊ ደገፍቱ ካብ ዝኾኑ ሓደ ክልተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝረኸቦ ደገፍ ተተባቢዑን፤ ብዓቢኡ ድማ ለኣኽቱ ዝኾኑ “ዓባይ ኦም” ብዝውዳቤኦም ተረፍ መረፍ ናይ ዝቐደሙ መናፍቓን ብዝሃብዎ መምርህን ምኽርን ምዃኑ ምንጪታትና ከረጋግጹልና ጸኒሖም ኣለዉ። ኮይኑ ግና እቲ ዝሓሰቦን ዝወጠኖን ኵሉ ፈሺልዎ፤ ምድሪ ኣንጻሩ ተላዒላ ዘላ ሠመረኣብ እቲ ዝንዓቖ መንፈሳዊ ውግዘት ድሮ ካልእ መዘዝ የስዕበሉ ከምዘሎን በቲ ዝረድእዎን ጸገዐይ ብዝበሎም ኣካላት ይመጾ ከምዘሎ ይስዕቦ ከምዘሎ እዩ ዝስማዕ ዘሎ።

ብገለ ውሑዳት ደገፍቱ ኣቢሉ ተቓውሞ ናይ ምልዕዓልን፤ ኣለዉኒ ብዝብሎም “ሰብ ሥልጣን” ኣቢሉ “ኣንጻረይ ዓጢቖም እዮም” ኣብ ዝብሎም መነኮሳትን ካህናትን መሪጌታታትን ዲያቆናትን ጀሚርዎ ዝነበረ ናይ ምጽላምን፤ ካልእ ፓለቲካዊ ዕላማ ከምዘለዎም ኣምሲልካ ብምቕራብ ግዳይ ምፍርራህን ማእሰርትን ንምግባርን፤ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ኣቦታት ክዘርኦ ዝጸንሐ ናይ ምክፍፋል ውዲቱ ከምዝፈሸለ ካብ ናይ ቀረባ ምንጪታቱ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። እኳ ደኣ ንሱ ነቲ ክብርን ሥልጣንን ገዳማውያን ኣቦታት ንዒቑ፤ ነቲ ዝተወግዘሉ ጕዳይ ብዕሊ ክቕጽሎ እኳ እንተጸንሐ፤ ብዘይሓሰቦ መገዲ ደጋፊኡ ብዝኾነ “ኣመሓዳሪ” ኣብ ዝተጸወዐን ንረብሕኡ ኣብ ዝተወደበን ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተሪር ተቓውሞ ከም ዝገጠሞ እዩ በብወገኑ ዝግለጽ ዘሎ።
ምንጪታትና ከምዝገለጹልና፤ “ኣመሓዳሪ” ነዚ ፍሉይ ኣኼባ’ዚ ክጽውዕ ከሎ፤ ዕላምኡ ገዳም ደብረ ቢዘን ንሕጊ ቅዱስ ሲኖዶስ ጥሒሶም ይኸዱ ምህላዎም ብምጥቃን፤ ኣብ ልዕሊ ገዳም ደብረ ቢዘን ብቅዱስ ሲኖዶስ ገለ ውሳነ ንክመሓላለፍን እቲ ኣብ ልዕሊ ሠመረአብ ዘመሓላልፍዎ ውግዘት ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝለዓለሉ ወይውን ውዱቕ ዝኾነሉ ኣገባብ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ካብኡ ናብኡ’ውን ገዳም ደብረ ቢዘን ቅድሚ ሕጂ ብ“ምምሕዳርን” ቅዱስ ፓትርያርክን ተቀናቢሩ ንዝወጸ “ሓደሽቲ መምርሒታት” (ከም ምእጋድ ምኅታም መንፈሳውያን መጻሕፍትን ግዱድ ምቕባል ቅዱስ ቍርባንን ዝኣመሰለ) ንዘልዓልዎ ተቓውሞ ከም መራሰኒ ጕዳያት ተጠቒሙ፤ ኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን ካልእ ዕላማታት ከምዘለዎም ገይርካ ብምቕራብን ዛዕባታት ብምልዋጥን፤ ንክብርን ሥልጣንን ቅዱስ ሲኖዶስ ከምዘይቕበልዎን ከምዘይኣምኑሉን ገይርካ ብምጕስጓስ፤ ጕዳይ ውግዘት ሠመረኣብ ክዳቐሰሉ ዝሓሰቦ እኩይ ውጥን እዩ ነይሩ። እዚ ውጥን እዚ ድማ ምስቶም መማኸርቱ ዝኾኑ ሓደ ሊቀ ጳጳስን “ምምሕዳራዊ” ዓንኬላቱን ኣቐዲሙ እኹል ምኽሪን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ዝተገብረሉ ከምዝነበረ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ምንጪታትና ገሊጾምልና ኣለዉ። 

ኮይኑ ግና እቲ ዝተጸወዐ ኣኼባ ከምቲ ዝተወደበሉን ዝተመኽረሉን ክቕጽል ኣይከኣለን። ዛዕባ ንምልዋጥ ዝተገብረ ፈተነ’ውን ኣይሰለጦን። ብዘይካ ሓደ ክልተ ሊቃነ ጳጳሳት፤ ንሳቶም’ውን በቲ ንሱ ዝሃቦም ሓበሬታ ጥራይ ተመሪሖም ደገፎም እኳ እንተገለጹ፤ ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ግና ኣብ ልዕሊ እቲ ውግዘት ገዳማውያን ኣቦታት ረጊጹ ዝኸደ ሠመረኣብ ተሪር ተቓውሞኡ ከምዘስምዐ ምንጪታትና ኣረጋጊጾምልና ኣለዉ። እኳ ደኣ እቲ ርሱን ምይይጥ ተለዊጡ፤ ንመጀመርታ ጊዜ “ኣመሓዳሪ” ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ሲኖዶስ ብተባዓት ሊቃነ ጳጳሳት ዝተደፍረሉን፤ ንምምሕዳር ዘይብቝዕነቱ ዝተጋሃደሉ ኮይኑ ከምዝተረኽበ ዝበጻሕና ሓበሬታ የመልክት። እቲ ተላዒሉ ዝነበረ ጕዳይ ቅድሚ ናብ ውሳነ ምኻዱ ዘሰንበዶን፤ ርእሱ ጸረውረው ዝበሎን “ኣማሓዳሪ”፤ ካብ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ኃለፍቲ መንግሥቲ ንዝኾኑ ብሕጹጽ ናብቲ ኣኼባ ብቴሌፎን ብምጽዋዕ፤ እቲ ኣኼባ ክቋረጽ ከምዝገበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እምበኣር ካልእ ጐስጓሳት ከካይዱ ዝጸንሑ ሠመረኣብን ጉጅለኡን፤ ነቲ ዝተቋረጸ ኣኼባን ዝተመጠን ጊዜ ናብ ረብሕኦም ክልውጡ ላዕልን ታሕትን ክብሉ እኳ እንተቐነዩ፤ ኵሉ ኣንጻሮም ክኸይድ እምበር ዝድግፎምሲ ኣይተረኽበን። ምንጭታትና ወሲኾም ከምዝገለጹልና፤ እቶም ዝደገፍዎ ክልተ ጳጳሳት’ውን ኣብ ሃገረ ስብከቶም ኣብ ዝርከቡ ቤተ ክህነትን ምእመናንን ብዛዕባ ሠመረኣብ ናይ ምጉስጓስ ተግባራት ክፍጽሙ ተራእዮም ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ከም ኣብነት ሓዲኦም ኣብቲ ንሱ ዝዓበየሉ ምጽዋዕ ንዝተዘርገሐ ወረቃቕቲ ውግዘት ሠመረአብ ካብ ዘዘለዎ ተኣኪቡ ከምዝነድድ ክገብሩ ከለዉ፤ እቶም ካልእ ድማ ኣብ ክብረ በዓላት ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዝምህር ብምግባር “ነኸምዚ ዝኣመሰሉ (ሠመረኣብ) ሊቃውንት የውግዝዎም ኣለዉ” ብምባል ውልቃዊ ጽልውታቶምን ጽልእን ኣብቶም ወሰንቱ ኣቦታት ከስርጹ ፈቲኖም እዮም። ኣይተረድኡዎን እምበር እቲ ሕዝቢስ ድሮ ፈሊጥዎን፤ እቲ ዝግበረሉ ዘሎ ጐስጓስ ተረዲእዎን ከምዘሎ እዮም ምንጪታትና ዘረድኡና። ድሮ እኳ ኣብ መበቖል ዓዱ “እምበኣር ደቂ ቀሺ ወልደገብርኤል ሎሚ እዩ ዓለም ፈሊጥዎም” እናበሉ ደቂ ዓዱ ነቲ ካብ ቀደም ንሳቶም ዝፈልጥዎ ሓቂ ከግህድዎ ከምዝጀመሩ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብኣንጻሩ ከኣ ብኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን ንዝተወስደ ውሳነ ውግዘት ብምድጋፍን፤ ነቲ ብሠመረኣብ ዝተወሰደ ውግዘት ናይ ምጥሓስ ተግባርን ዝቓወም ደብዳቤ ብዓበይትን ስሙያትን ገዳማት ሃገርና ብሓባር ተጻሒፉ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ከምዝቐረበ ካልኦት ምንጪታትና ኣመልኪቶምና ኣለዉ። እዚ ውሳነ ናይ ገዳማት ሃገርና ድማ ንጻዕሪ ደገፍቲ ሠመረኣብ ባይታ ዘዝብጥን፤ ንኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ምትብባዕ ዝፍጥርን ምዃኑ ምንጪታትና ገምጋሞም ሂቦምና ኣለዉ። እቲ ብኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን ዝተወስደ ውሳነ ኣብ ምሉእ ሃገር ብምዝርግሑ ድማ እቲ ኣፍልጦ ኣብ ኵሉ ከምዝሰፈሐን፤ እቲ ኣብ ውሽጡ ከብዱ ሓቝፉ ኣቦታት ክሳዕ መኣስ እዮም ትም ኢሎም ነዛ ሃይማኖትና ዝርእዩ ክብል ዝጸንሐ ሕዝቢ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ብዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ ከምዘለዉ ዝበጻሕና ሓበሬታ’ውን የመልክት እዩ። እቲ ቃለ ውግዘት’ውን ዳርጋ ኣብ ኵሉን ገዳማት ኤርትራን፤ ኣብ ሃገረ ስብከታትን ኣብ ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያናትን ከምኡ’ውን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ከምዝተነበ ዝበጻሕና ሓበሬታ’ውን ወሲኹ የረድእ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ምንጪታትና ከምዝገለጹልና፤ እቲ ጕዳይ ሠመረኣብ ናብ ካልእ ዛዕባን ኣንፈትን ብፍላይ ድማ ንህላዌ ሥልጣን “ኣመሓዳሪ” ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት የውድቕ ብምህላዉን፤ ካልእ ዛዕባታት ቤተ ክርስቲያን’ውን የለዓዕል ብምህላዉ፤ ሠመረኣብ በቶም ደገፍቱ ተጠሊሙ፤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝተረኽቡሉ ጉባኤ ኣብ ዝኾነ ቦታ ከይምህርን ከይሰብኽን ዳግማይ ብ “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያን ከምዝተኣገደ ዝበጻሕና ሓበሬታ የመልክት። ዝኣመኖ ካብ ጠለሞ፤ ኣለዉኒ ዝብሎም ካብ ዘይሓገዝዎ፤ ሠመረኣብ ነዚ ካልኣይ ውሳነ ክጥሕሶ ከምዘይክእል ዝሓበሩና ኣካላት ኣፍሊጦምና ኣለዉ። ድሮ እኳ “ስብከታቱ” ኣቋሪጹ፤ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ከይረአ ይኽወል ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቲ ዝስዕብ ሠመረኣብ ጕዳያቱን ናበይ ገጹ ክኸይድ ዝብል ኮይኑ፤ ሓደ ኣምላኽ ዝፈልጦን ጊዜ’ውን ዝምልሶ ሕቶ እዩ። ብወገን’ውን እቲ ጕዳይ መናፍቕነት ናይ ሠመረኣብ ጥራይ ኢልና ምድራቱ ከየታልለና ከነዘካኽር ንፈቱ። ምኽንያቱ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብዝተወደበ መልክዕ ክሥርሓሉን፤ ሡር ሰዲዱ ዝጸንሐን ጕዳይ መናፍቕነት፤ ሠመረኣብ ብቀንዱ ዝረኣየሉ ይኹን እምበር ኣብ ውሽጡ ዝተጫጭሑን፤ ንሱ ብመናፍቅነቱ ዝወለዶም፤ ዕላማታቱ ኣንጠልጢሎም ቀትርን ለይትን ቤተ ክርስቲያንና ናብ “ካልእ ወንጌል” ክጥምዝዝዋ ዝፍትኑ፤ ክሳዕ ንሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዕላማታቶም ንምእታው ዝንቀሳቐሱ ዝተወደቡ ኣካላት ኣብ ሃገርና ክሳዕ ላዕለዋይ ኣካል መንበረ ፓትርያርክ ተዘርጊሖም ከምዘለዉ ካብ ዝኾነ ኣካል ቤተ ክህነት ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዞም ነቲ ቅድሚ ፲ተታ ዓመት ዝጸንሐ ፍሹል ውዳበ መናፍቕነት ዳግማይ ብዝተወደበ መልክዕ ዝቕጽሉን፤ ምስቲ ኣብዚ ጸግዒ ኮይንዎም ምስ ዘሎ ጉጅለ ኣትላንታ ውሽጣዊ ሥምረት ዘለዎም እዮም።

ስለዚ ክቡራን ኣቦታትና ሓድነትኩም ዓቂብኩም ብዛዕባ’ዚ ሡር ሰዲዱ ዘሎ ሽግር ቤተ ክርስቲያንና ኣስፊሕኩም ክትመኽሩን ክትመያየጡሉን ይግባእ። ምንጪን ኣሳሳዪትን ናይዚ ጕዳይን ሽግራት ቤተ ክርስቲያንን ብዝግባእ ክትፍዉስዎ ድማ ሓደራ እናበልና፤ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎና ደቅኹም ብተስፋ ንጽብየኩም ከምዘሎና ከነዘካኽረኩም ንፈቱ።   


3 comments:

  1. amen sbhat NLEL FTARINA YKUN THANKS MAEADOT.ASEFAW USA

    ReplyDelete
  2. እወ ንጽበዮም ኣሎና! እግዚአብሔር ጽቡቕ የስምዓና።

    ReplyDelete
  3. እግዚኣብሄር ጥበቡ ይግለጸልና። ካብዚ ዘመነ ጥበራ ድማ ይሓልወና። ንዓኹም ድማ ጻማኹም ኣብ ሰማይ ርኸቡ።

    ReplyDelete